55
likes
1
comments
daily view 0
monthly view 0

Share

Live Analytics

Comments 0

ተወልደ ጅቡቲ || ትግራይ ድኻ ድያ|| Tewolde Djibouti 2022 Analytics Table

Income Estimates for ተወልደ ጅቡቲ || ትግራይ ድኻ ድያ|| Tewolde Djibouti 2022

Based on this YouTube video's total view count of 2.69K views and industry-standard rates, the estimated total earning is $2 - $5 through ad revenue. Historical data is not yet available to calculate daily, weekly, or monthly averages.

About ተወልደ ጅቡቲ || ትግራይ ድኻ ድያ|| Tewolde Djibouti 2022

Explore ተወልደ ጅቡቲ || ትግራይ ድኻ ድያ|| Tewolde Djibouti 2022 with 2,694 views, 55 likes, and 1 comments. Experience the impact of this video content that has captured audience attention.

ታሪኻዊት ጥንታዊት ትግራይ , ሃፍታም መሬት ትግራይ ዘርኢ ቪድዮ :- Tewolde Djibouti ተወልደ ጅቡቲ :- ትግራይ ድኻ ድያ ? ::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::: ዛንታ ሰለስተ ወለዶታት፦ ነጋሲ፡ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ! ነጋሲ ገብረመድህን ልክዕ ከም እቶም ካልኦት ብፃያቱ ፡ ቅድሚ 37 ዓመታት ኣቢሉ ፡ ዘውዳውያን ገዛእትን ፋሽሽታውያን ወረርትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ የብፅሕዎ ዝነበሩ ግፍዓዊ መግረፍቲ፣ መርሸንትን ዕንወትን ንምቅላስ፡ ህዝቢ ትግራይ እውን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ሓራ ህዝቢ ኰይኑ “ል ካሊእ ወፅዓን በደልን ከም ዘኢንምነ ኵሉ፡ ኣብ ልዕሌና ዝይበፅሕ ወፅዓን በደልን ፈፂምና ኣይንቕበልን” ቢሉ ብ ዝገበሮ ዘኢይሕለል መሪር ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመታት፡ ድሙቕ ዓወት ክይምዝገብ ተኽኢሉ እዩ። ወላድ ትግራይ መላምል ደቃ መሪቓ ናብ በረኻታት ትግራይ ሰንያ፡ እቲ ዝትደልዮ ዓወት ዓቲራ እያ። ጅግና ተጋዳላይ ነጋሲ ብ ዕላማ እኳ እንተዘኢሞተ፡ ነገር ግን እዚ ዓወት ክሻብ መወዳእታ ክይርእይ ኣይበቕዐን ኣይተዓደለን። ብ ፀላእቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ወላዲና፡ ብ ሕሱም መርሸንቲ ል ስለ እቲ ተሪር ዕላማ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ክብርቲ ሕይወቱ መስዋእቲ ገይሩ። ቈልዑ እናሃለውና፡ ዛንታታትን ታሪኽን ገድሊ ካብ ወለድና ምስማዕ ካብ ዘሐጕሱና ዝነበሩ ነገራት እቲ ቀንድን ሓደን እዩ። ክሻብ ሀዚ ዘኢንርስዖም ብዙሓት ዛንታታትን ታሪኻትን የዋግዑና እኳ እንተነበሩ፡ ወላዲና መኰነን ብዛዕባ ስዉእ ብፃዩ ነጋሲ እንተዋግዐና ግን፡ ኣብ ኣንደበቱ ፀብለልታን ፍሉይ ዝዀነ ተመስጦን ንዕዘብ ነይርና። ብ ህይወት ሃሊው ክንርእዮ ንህንጠው እውን ነበርና። ዝዀነ ግዜ ክዓ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብ ሞት ንዝተፈለየና ንእሽተን ሓውና፡ ል እቲ ኣዝዩ ዝይፈትዎን ዝይናፍቖን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝተሰውአ ስም ብፃዩ ነጋሲ ል ምዝካር ፡ ሓደ ዓይነት ስም ክይውህቦ ድሌት ከም ዝነበሮን ከምኡ ከም ዝገበረን ነጊሩና እዩ። ነጋሲ — ወራሲ! መቓልስቱ ስውእ ብፃዩ ዘሕለፎ ሕይወት፡ ኣብ ኢድ ፀላኢ ኣትዩ ስለ ቃል እቲ ቃልሲ፡ ብ ግፍዓዊ መቕተልቲ ሕይወቱ ምሕላፉ፣ እቲ ፅንዓቱን መንፈስ ተቓላሳይነቱን፣ ሰዓራይነት፣ ቤዛ ህዝብን ደላዪ ለውጥን ምዃን፣ ባህግን ርትዕን ብፃዩ ብ ደቁ ክይውረሱ ግዲ ደልዩዎም ነይሩ ሲ፡ ል እቲ ንእሽተን ሓውና ነጋሲ ቢሉ ሰይምዎ። ነጋሲ መኰነን . . . ነጋሲ ብ 29 ነሓሰ፣ 1993 ዓ.ም ካብ ከተማ ዳንሻ ል ኣንፈት ምዕራብ ኣስታት 10 ኪ.ሜ ተጕዒዝካ፡ ፍሉይ ስሙ መንደር ኣውሮራ (ስፍራ ጀጋኑ) ኣብ ዝይብሃል ቦታ ተወሊዱ። ብ ፅቡቕ ዓብዩ፡ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ሕይወቱ ኣብ ዝሸባሸበሉ እዋን፡ ከኢተፀበናዮ ለበዳ ሕማም ኰረና መፅዩ ትምህርቱ ሓደ ዓመት ኣተኣጓጒልዎ እዩ። ይዅን እምበር፡ ሓፍትና ታሪክ ድሕሪ ምዝዛም ትምህርታን ምረቓኣን ካብ ዩንቨርስቲ ኣክሱም፡ ኣብ ሑመራ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ፀባ ተቘፂራ ትሰርሕ ስለ ዝነበረት፡ ነጋሲ ምስኣ ከይዱ (ወትሩ እውን ምስኣ ክይዀን ትደልይ ስለ ዝነበረት) ሓፀርቲ ናይ ተግባረ-እድን ሞያን ትምህርቲ ምክትታል ጀመረ። ስውእ ነበር ተጋዳላይ ነጋሲን ወላድየይን ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ትግራይ፡ ተኽ እስትንፋስ ኣዕሩኽትን ደቂ ሓንቲ ኣሃዱን እዮም ነይሮም። ብ ሓደ ኰይኖም፡ ጎቦታት ሽንጥሮታት፣ ቍልቁለት ዓቐበት፣ ስቓይን ተስፋን መቐረትን ፈተናን እቲ ቃልሲ ኣሕሊፎምን ኣስተማቒሮምን እዮም። ኣቦና ቈልዑ ኰይንና እንተዋግዐና፡ ቅርበቶምን ዕርክነቶምን፡ ኣብ ሓንቲ ገዛ ንመዋእሎም ብ ሓደ ዝዓበዩ ገይርካ ክትርድኦም የገድድ ምንባሩ እዝክር። ል ሕይወቶም ከኢሰስዕዑ፡ “ዘኢንድይቦ ጎቦ ዘኢንሰግሮ ሩባ፡ ፍፁም ወይ ከ የለን፣ መስመር እዩ ሓይልና፡ ህዝቢ እዩ ሓይልና፡ ወይ ከ ኣይንስዓርን፣ ሓሩር ፀሓይ ነዳድ፡ ህቦብላ ማይ በረድ፣ ማይ ማይ ትበል ነብሲ ኣብ ጀቕጀቕ ትረግረግ፣ ደንጐላ ንተርኣስ፡ ብዓቲ ይኹን ቤትና፣ ለይትን ቀትርን ጕዕዞ ይድከም ይጥመየና ….” ቢሎም ዘሚሮም፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ፡ በቲ ግዜ እቲ ሓዱሽን ድሙቕን ታሪኽ ኣፅሒፎም ሓሊፎም። 20 ጉንበት፣ 1983 ዓ.ም ስርዓት ፋሽሽታዊ ደርጊ ምስ ምሉእ ሓሻኽሩ፡ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብ ዓወት ተደምሲሱ። ድሕሪ 1983 ዓ.ም ዓዲ ሰላም ኰይና ፤ ናይ ዴሞክራሲ፣ ሰላምን ልምዓትን ሃዋህው ተኸፊቱ ፤ ትግራይ መላምል ደቃ ገቢራ፡ ሓዱሽ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቚማ። ኣብ ግዜ ሰላም፡ ትካላት ልምዓት፡ ትምህርትን ጥዕናን ይስፋሕፋሕ፤ ህፃውንቲ ደፍተር ይጭብጡ፤ ቢሮ ይዓትሩ፤ ሙሁር ይመራመር ይፈላሰፍ፤ ሓረስታይ ይሓርስ፣ ይጕልጕል፣ ይዓፅድ፣ ምህርቱ ይሓፍስ። ዓዲ ብ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢንዱስትሪን ትንደቕ። ስድራ ስውኣት ብ ልምዓት ብ ለውጢ ይክሓሱ፣ ጕድኣት ኣካላት ይጥወሩ፤ ዝደኸመ ኣብራኽ፣ ዝተፈተነ ሕልይና ክዓ ይዓርፍ። ደም ዘፍሰሰ ህዝቢ ፅሩይ ዝይስተ ማይ፡ ፀባ፣ መጨባን ምዓርን ክይረክብ ክይረውይ ይግበር። ስለዚ ኣብ ግዜ ሰላም ካብ ኰንና፡ “ዘኢንድይቦ ጎቦ ….” ዝይብል ብሄራዊ መዝሙርና፡ ብ ኻሊእ ል እዚ ዝንገብሮ ዝነበርና ምንቅስቓስ ዝይገልፅን ዝይምጥንን ሓዱሽ መዝሙር ክይቕየር ከም ዘለዎ ካብ መንጎ ዝይካትዑ ሰባት ሓደ ኣነ ነይረ። ነገር ግን ዘኢተዛዘመ ምዕራፍ፣ ዘኢተመልአ ዕዮ ገዛ ግዲ ነይሩና ሲ፡ ክሻብ ሀዚ “ዘኢይንድይቦ ጎቦ …” እናዘመርና እናሃለውና፡ ካሊእ ፈታንን መሪርን ብረታዊ ቃልሲ ገጢሙና። ኣብ ጫፍ ጎቦ እናበፃሕና፣ ዝተዓወትና እናመሰለና፡ እናደቀስና፡ ካብ ምድቃስና ክዓ ል ታሕቲ እናንከራረና፡ ኣደዳ እቶም ምሕረት ወ ሰብኣውነት ዘኢይፈልጡ ሕሱማት ፀላእትና ኰይና። ድሕሪ 30 ዓመታት፡ እቲ ወለድና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ኣጥፊእናዮ ዝበሉና ፀላኢ፡ ብ ፍሉይ መልክዕ ካልኦት ግዳማውያን ሓይልታት (ምስ ፈተውቲ እቲ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሩ ሎሚ ናብ ፀላእቲ ዝተቐየሩ) ኣተኣኻኺቡ፡ ተጠናኺሩ ክይጎብጠና መፅዩ። ኣብ እቲ እዋን እቲ ጠቕሊሉ ናብ ገደል ክፀድፍ ዝነበሮ ፀላኢ ኣብ ጫፍ እቲ ገደል ግዲ ገዲፍናዮ መፂእና፡ ሀዚ ኣንከራርዩ ዓድና ኣባዲምዋ፣ ኣዕንዪዋ። ትግራይ ዳግም ዓሰርተ ኣሽሓት መላምል ደቃ ስኢና። ከተማ ሑመራ፡ ብዙይ ዝይካየድ ዘሎ ኲናት ፅንተት ዓሌተ ትግራይ ኣዝየን ካብ ዝተሃሰያ ከተማታትን ዳርጋ ምሉእ ነባሪ እታ ከተማ ፈለማ ናብ ሀገረ ሱዳን፡ ድሓር ክዓ ናብ ማእኸል፣ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ብ በዝሒ ዝተፈናቐለላ እያ። ኣብ ጥቅምቲ 30ን ሕዳር 1ን 2013፡ ካብ ኤርትራ ኦም-ሓጀር ብ ሰራዊት ሻዕብያ፣ ብ ሰራዊት ኣብዪ ኣሕመድን ምልሻታት ኣምሓራን ክዓ ካብ ባዕኸርን ትርካንን ብ ዘኢምቍራፅ ብ ከበድቲ ኣፅዋራት ዝተደብደበት ከተማ እያ። ብዙይ ሃንደበታዊ መጥቃዕትን ዕንወትን ነባሪ እታ ከተማ ካብ መንበሪኡ ወፂኡ፡ ሕይወቱ ከድሕን፡ ግዝያዊ መፍትሕታትን መማረፅታትን ይወስድ ነበረ። ምንኣስ ሓወይ፣ ሓፍተይ ምስ ብዓል ቤታን፡ ካብ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝይካየድ ዘሎ ኲናት ፅንተት ዓሌተ ትግራይ ል ምምላጥ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ጐረባብቶም ሕይወቶም ል ምድሓን ተተሓሒዞም ካብ ገዛ ወፅኡ። ብ ጠቕላላ ዓሰርተ ሰባት እዮም ነይሮም። ንእሽተን ትጕዕዝ ምስ በሉ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ፅርግያ ኰይኖም ናብ እቲ ቢንቶ እናኣመዓደው፡ “ብዙይ ንኽየድ፡ ኣብ እቲ ቢንቶ ንተሓባእ” ይብሉ ነበሩ። ኣብ መንጕኡ ብዙይ መፅአ ዘኢተብሃለ ቁምብላ ኣብ ቅድሚኦም ዓለበ። ምድረ ሰማይ ብ ሓመድ ክድን በለት። ቅድሚ ደቓይቕ ል ምዕቛብ ናብ እዝን ናብ እትን እናበሉ ዝይጓየዩ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት፡ ምንም ኣበሳ ዘየብሎም እኳ እንተዀኑ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ዝይነብሩላ ከተማን ዝይወርድ ዝነበረ ግፍዒ ግን ማእለያ ኣይነበሮን። ካብ እዚ ል ምምላጥ፡ ምሳሕ ፀላኢ ል ዘኢምዃን ዝጓየዩን ዝሃድሙን ዝነበሩ ፍጥረታት፡ ደቓይቕ ኣብ ዘኢይመልእ ብ ቕፅበት ናብ ሬሳታት ተቐይሮም በቢ ፀግዑ ረፍ ኢሎም ወደቑ። ምስክር (ሰብኣይ ሓፍተይ)፡ ዝሐሸ ቦታ ክእልሽ ካብኦም ተፈልዩ ከይዱ ስለ ዝነበረ፡ ዝሐሸ ቦታ ኣግንዩ ናብኦም እንተተመለሰ፡ ሕድሕዶም ብ ሓመድ ተቐቢሮም በቢ ቦትኡ ወዲቖም ረኸቦም። መን ካብ መን ምፍላይ ኣብ ዘፀግመሉ ደረጃ በፂሑ ከም ዝነበረ ሀዚ እቲ ተጓንፎኡ የዘንትወለይ። ብ ዝርአዮ መስካሕኽሒ ቅትለት፡ ቀስሙ ተሰቢሩ እዩ። ነገር ግን ተስፋ እንተኢቘረፀ ሕድሕድ ሬሳ እናጋላበጠ ኣለሽኡ ቀፀለ። ብ እቱ ፀግዒ ቢንቶ፡ ካብ ልቡ ዝየፍቅራ ብዓልቲ እንድኡ፣ መናብርቱ መኻፍልቲ ሕይወቱ ሓፍተይ፡ ኣብ ብዙሕ ኣካላታ ብ ፍንጃር እቲ ቍምብላ ተወቒዓ፣ ብዙሕ ደም እናፈሰሳ፣ ሓመድ ብ ሓመድ ተኸዲና ረኸባ። ግዜ ሰላም እዩ ቢሉ፡ ናብራ መስሪቱ፡ ኣምሳሉ ዓይኑ ብ ዓይኑ ክርእይ ኣብ ዝህንጠወሉ ግዜ፡ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ መደገኣፍ ሞት ፀኒሓቶ። ብ ሕይወት ምህላዋ ኣግራሞት ፈጢሩሉ፡ ብድንጋፀ ል ገዛ ተሎ ወሰዳ። ፅንሕ ኢሉ እውን ካልኦት ዝይጓየዩ ዝነበሩ ጐረባብቲ ፀዊዑ ረይሳታት ንእሽተይ ሓውናን እቶም ካልኦትን ሒዞም ናብ ሑመራ (ካሕሳይ ኣበራ) ሆስፒታል ክየዱ።

About YouTube Real-Time View Count

With SocialCounts.org’s view counter, track your YouTube video’s live view count and YouTube likes count in real time with fast, reliable updates.

Watch every YouTube video live view count rise with our real-time YouTube views tracker—built for accuracy and minimal delay.

Follow YouTube real time views as they happen, using our dedicated view counter for YouTube videos.

Get up-to-date live view count on YouTube and see real-time growth with SocialCounts.org’s smart tracking tools.

Embed Widget

Parameters:

  • fullscreen=true - Fullscreen counter
  • graph=true - Live graph chart
  • counter=0/1/2 - Select counter (0=likes, 1=views, 2=comments)
URL

Click to copy the embed URL to your clipboard